አገልግሎታትና

ጎስጓስ ምድላው ንሕርሲ

ኮርስ ምድላው ናይ ሕርሲ ብማሕበር ፓንሚላር ናይ ሓባርን ብዝተፈላለየ ቓንቓታትን እዩ ። ነቶም ናይ መጻኢ ወለዲ ስደተኛታትን ነበርቲ ካንቶን ድ ቮ ዝተዳለወ እዩ። እቶም ዝለዓሉ አርእስትታት ፡

  • ጥንስን ሕርስን
  • ምጥባውን ክንክን ዕሸልን
  • ብዛዕባ ወላዲ ምዃንን አገልግሎት ጥዕናን እዮም

እዚ ርክባት ብመሕረስቲ ምስ ተርጎምቲ ዝካየድ እዩ ። አብ ሎዛን፡ ኢቨርዶን፡ ፓየርን ፡ ኤግል፡ ቨቨ ፡ ክላሮን፡ ረነን ኒዮን እዩ ዝግበር ።

ብኢንሹራንስ (LA Mal) ብካንቶን ድ ቮ እዩ ዝክፈል። እቶም ገንዘብ ክህቡ ዝደልዩ ስድራቤታት፡ ነታ ማሕበር ከም ሓገዝ ከበርክቱ ይክእሉ እዮም ።

ነቲ ዝቅጽል ዕለታት ዝዳሎ አብ ከባቢኹም ዘሎ ተወከሱ!

Yverdon

Avenue des Bains 12, 1400 Yverdon-les-Bains

Payerne

Rue du Chemin Neuf 12, 1530 Payerne

Lausanne

Rue Pré-du-Marché 23, 1004 Lausanne

Vevey

Avenue de Savoie 14, 1800 Vevey

Aigle

Place du centenaire 3, 1860 Aigle

Nyon

Rue des Marchandises 17, 1260 Nyon

ምብጻሕ አብ ገዛ ድሕሪ ሕርሲ

ብተወሳኪ ናይቲ ኮርስ ምድላው ናይ ሕርሲ፡ ፓንሚላክ ነቶም ፈረንሳ ቓንቓ አዲኦም ዘይኮነ ወለዲ ምብጻሕ አብ ገዛ ድሕሪ ሕርሲ ተቅርበሎም። በተን መሕረስትን ተርጎምትን እዩ ዝካየድ።

እዚ ርክብ ነቶም ስድራ ቤታት ንውልቆም ብቓንቅኦም ምክትታል ንኽረኽቡ አብ ጽቡቅ ኩነታት ነቲ ዕሸል ንክቅበልዎ የክእሎም። ብኢንሹራንስ (LA Mal) ብካንቶን ድ ቮ እዩ ዝክፈል።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ከይተሰከፍኩም ክትሓቱ ትክእሉ ኢኩም!